17 እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን።
ኣብርሃም ከዓ “ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብርግፅ የለን እሞ፥ ብምኽንያት ሰበይተይ ከይቐትሉኒ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እየ።
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ዝብለኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ እየ እሞ።
ግና ቓል ንጉስ፥ ኣብ ኢዮኣብን ኣብ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኣሸነፈ፤ ኢዮኣብን ኣሕሉቕ ሰራዊቱን ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወፁ።
እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።
እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ።
ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ፥ ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ?
እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።
እተን መዋለድቲ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣባይቲ ገበረለን።
ብምሕረትን ብሓቅን፥ ስርየት በደል ይርከብ፤ ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።
መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።
ሓጥእ ሚእቲ ጊዜ እኳ ኽፍኣት እንተ ገበረ፥ መዋዕሉውን እንተ ነውሐ፥ ኣነስ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓት ዝነብሩ፥ ሰናይ ከም ዝኾነሎም ብርግፅ እፈልጥ እየ።
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ።
ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ሰብ ምኻድ ስለዝፈተወ፥ ዝተገፍዐን ብፍርድውን ዝተጎድአን ኮነ።
ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”
ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።
ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።
እቲ ንጉስ ከዓ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቖሙ እግረኛታት “ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም እንተለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፥ ልቦምውን ምስኡ ስለ ዝኾነት፥ ኬድኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ከልዕሉ ኣይደለዩን።