Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 1:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 “ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኽተዋልደአን እንተለኽን፥ ወዲ እንተ ኾይኑ ቕተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ክትነብር ሕደጋኣ” በለን።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 1:16
7 Referencias Cruzadas  

ንህዝቡ ኽፀልእዎም፥ ንባሮቱ ኽተናዀልዎም ልቦም ለወጠ።


ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦


ፈርዖን ድማ “ኵሉ ኻብ ዕብራውያን ዝተወለደ ወዲ ናብ ሩባ ደርቢይዎ፤ ኣጓላት ዝኾና ግና ብህይወት ክነብራ ሕደግወን” ኢሉ ንዅሉ ህዝቡ ኣዘዘ።


እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ፥ ንስንሳቶም ‘እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ፥ ርስቱ ኽንወርስ’ ተባሃሃሉ።


እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ፥ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበፅሑ፥ ገፍዖም።


ሙሴ ምስ ተወለደ፥ ወለዱ ፅቡቕ ህፃን ምዃኑ ሪኦም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉስ እንተይፈርሑ፥ ብእምነት ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ።


ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos