14 ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ።
“ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑት፥ ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።
እስራኤል፥ “ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ልዕለይ ተሰለፉ” ይበል።
ኣብ ማእኸል ርስትታት እንተ ሓደርኩም፥ ካብ ብሩር ከም ዝተሰርሑ ኣኽናፍ ርግቢ፥ ብቘፅሊ ወርቂ ኸም ዝተለበጡ፥ ክንቲታት ኢኹም።
“ዝባኑ ኻብ ሸኽሚ፥ ኣእዳዉውን ካብ ተገዛእነት ከፈር ኣርሓቕኩ።
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
ግብፃውያንውን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣስርሕዎም።
ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።
ኣብ ልዕሊ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ክፉእ መራሒ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ኣታ ኣብ ፅዮን እትነብር ዘለኻ ህዝበይ፥ ኣሶር እኳ ብበትሪ እንተ ወቕዐካ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበረካ ኣሶርውን በትሩ እንተልዓለልካ ኣይትፍራሕ።
ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ።
እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥ ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥ ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”
ህዝበይ ብኸንቱ ተወሲዱ እዩሞ፥ ሕዚ ኣብዙይ እንታይ ኣለኒ? ይብል እግዚኣብሄር። ገዛእቶም የባጭውሎም ኣለዉ፤ ኵሉ መዓልቲ ኸዓ ስመይ ይፅረፍ ኣሎ።
“እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን?
ኣጨኒቕካ ኣይትግዝኣዮም፤ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራሕ።
ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፤ ንሳቶም ንውሉድ ወለዶ ኸገልግሉኹም እዮም። ነሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ንሓደ እኳ ኣጨኒቕኩም ኣይትግዝእዎ።
ከም ዕሱብ ዓመት ዓመት ከም ዝተቘፀረ ጌርካ ይገመት፤ እቲ ጐይታኡ ኣጨኒቑ ኣይግዝኣዮ።
ንህዝበይ ስጋኦም በሊዕኹም ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ኣዕፅምቶም ሰባቢርኩም፥ ከምቲ ናብ ድስቲ ዝኣቱ ስጋ ቘራሪፅኩምዎም።
ክትክበቢ ኢኺ እሞ፥ ማይ ቅድሒ፤ ዕርድኺ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ ኣቲኺ ርገፂ፤ ጡብ ክትሰርሒ ተዳለዊ።
ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና።
እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ፥ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበፅሑ፥ ገፍዖም።
ናይቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ህዝበይ ግፍዒ ብርግፅ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድሕኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ፥ ናብ ግብፂ ኽልእኸካ እየ’ በሎ።
ግብፃውያን ግና ኽፉእ ገበሩና፤ ኣጨነቑና፤ ከቢድ ስራሕ ድማ ኣብ ልዕሌና ፀዓኑና።
ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ ዄንኩምዎ ዘለኹም፥ ርስቱ ዝኾነ ህዝቢ ምእንቲ ኽትኮንዎ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓፂን፥ ካብ ግብፂ ኣውፂኡኩም እዩ።
ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ ደኣ በሉኒ እምበር ኑሓሚን ኣይትበሉኒ።