Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 1:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ግና ብመጠን እቲ ዘጨነቑሎም ክንድኡ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ ግብፃውያን ድማ ንእስራኤላውያን ይፅየፉዎም ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 1:12
17 Referencias Cruzadas  

“ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ እግዚኣብሄር እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፥ ናብ ግብፂ ምኻድ ኣይትፍራሕ።


ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም።


ንሰነፍ ሰብ፥ ቍጥዓ ይቐትሎ፤ ንሰነፍ ከዓ ቕንኣት የጥፍኦ።


ንህዝቡ የመና ኣብዝሖም፤ ካብ ፀላእቶምውን ኣበርትዖም።


ባረኾም፤ የመናውን በዝሑ፤ እንስሳኣቶምውን ኣየውሓደሎምን።


እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ።


እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት።


ንሱ ድማ ንህዝቡ፥ “እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን።


ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።


ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል?


ሞኣባውያን ከዓ፥ ህዝቢ እስራኤል ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፥ ብኣኣቶም የመና ፈርሑ። ሞኣባውያን ብደቂ እስራኤል ተሸበሩ።


ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ፥ ከም ዘይትኽእሉ ትሪኡዶ ኣለኹም? እንሆ ዅሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ።


ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።


ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፦ ‘ኣቦና ኸርተት ዝብል ሶርያዊ ነበረ፤ ንሱን ስድራኡን ናብ ግብፂ እንትወርዱ፥ ቍፅሮም ውሑድ ነበረ፤ ስደተኛታት ኮይኖምውን ኣብኣ ተቐመጡ፤ ኣብኣ ኸዓ ዓቢይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾኑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos