Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 9:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኵሎም ሹመኛታት እተን ሃገራትን መኳንንትን መሳፍንትን፥ ኵሎም ናይ መንግስቲ ተወከልቲ ንመርዶክዮስ ስለ ዝፈርሕዎ ንኣይሁድ ሓገዝዎም።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 9:3
9 Referencias Cruzadas  

እቶም ምስ ዘሩባቤል ዝመፁ፦ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ።


እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ሰገር ንየው ሩባ ንዝነብሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ድማ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።


ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።


ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።


ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።


በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም።


ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos