Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 9:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እቶም ኣይሁድ ኣብ ኵለን ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነቶም ክፉእ ክገብርዎም ዝደልዩ ዝነበሩ ኸጥፍኡ ናብ ከተማታቶም ተኣከቡ፤ ፍርሓት ኣብ ኵሎም ህዝብታት ወዲቑ ስለ ዝነበረ፥ ንኣኣቶም ክቃወም ዝኽእል ኣይነበረን።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 9:2
12 Referencias Cruzadas  

ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን።


ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉ፥ ነቶም ሓደጋ ዘውድቑሎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስ ናይ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ንብረቶም ክዘርፉን ፈቐደሎም።


ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።


ነዞም ዓሰርተ ደቂ ሃማ፥ ወዲ ሃመዳታ ፀላእ ኣይሁድ፥ ቀተልዎም፤ ናብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።


እቶም ንነፍሰይ ዝፃረሩዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፤ እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩውን ሕፍረትን ሓሳርን ይከደኑ።


እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ምስ ሓፈሩን ምስ ተዋረዱን፥ መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ።


“ናብቶም እትጋጠሞም ኵሎም ህዝብታት ራዕዲ ቐቅድሜኻ ኽሰድድ፥ ከሸብሮምውን እየ። ንዅላቶም ፀላእትኻ ኸዓ፥ ካባኻ ኸም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ።


ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ።


ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።


“እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፈሊጠ ኣለኹ። ካባኻትኩም ዝተልዓለ ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ሓዲሩና ኣሎ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም ብፍርሓት ልቦም መኺኹ ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos