1 ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ በታ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍፀመላ መዓልቲ፥ በታ ፀላእቲ ኣይሁድ ክዕብልልዎም ተስፋ ገይሮምላ ዝነበሩ መዓልቲ፥ እቲ ነገር ተገልቢጡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ስልጣን ረኸቡ።
ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኹዎም።
ብሓንቲ መዓልቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ብወርሒ ኣዳር፥ ንዅላቶም ኣይሁድ፥ ነጕባዝን ንኣረጋውያንን፥ ንህፃናትን ንኣንስትን፥ ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ድማ ኽዘምቱን መልእኽትታት ብፈጣናት ፈረሰኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ንጉስ ሰደዱ።
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።
እዙይ ኣብ ኵለን ሃገራት ግዝኣት ንጉስ ኣርጤክስስ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ኸዓ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ እዩ።
ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመፅእ መከራ ኽርኢ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክፃወር እኽእል?”
እዙይ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ተገብረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ግና ኣዕረፉ፤ መዓልቲ ድግስን ሓጐስንውን ገበርዋ።
ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኻዮም።
ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥ ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤ ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።
ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።
ሓይሎም ከም ዝደኸመ፥ እተዓፅወን እተሓደገን ከም ዘየሎ ምስ ረአየ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ፤ ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ።
ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።