Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 8:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ሕዚ ኸዓ እቲ ብስም ንጉስ ዝተፅሓፈን ብቐለበት ንጉስ ዝተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፥ ደስ ዝበለኩም ብስመይ ፀሓፉ፤ ብቐለበተይውን ሕተምዎ” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 8:8
9 Referencias Cruzadas  

ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ።


“ኦ ንጉስ፥ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ኣውፅእ፤ ከም ዘይልወጥውን ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይፀሓፍ። ደጊም ኣስጢን ናብ ቅድሜኻ ኣይትእቶ፤ ንጉስ ድማ እቲ ናይ ንግስቲ መዓርግ ንኻልእ፥ ካብአ ንእትሓይሽ ሃባ።


ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።


መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ፀሓፎ፤ ብቐለበት ንጉስውን ሓተሞ። ነዝ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ንጉስ ዝተቐመጡ ልኡኻት ገይሩ ሰደዶ።


ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።


ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።


ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos