5 ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።
ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊፁ ፈተዋ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑውን ሕልፊ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቱ ደፍአላ፤ ክንዲ ኣስጢን ድማ ንግስቲ ኾነት።
ነቲ ንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኽንዲ ኣስጢን ንግስቲ ትኹን” በሉ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ ኸምኡ ገበረ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።
ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፥ ንጉስ ከዓ እንተ ፈቲኻ፥ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ዘለኹ።
እምበኣር ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ምእንቲ ንኣኻ ፈሊጠ ኣብ ቅድሜኻውን ኵልሻዕ ሞገስ ክረክብስ፥ በይዛኻ መንገድኻ ኣፍልጠኒ። እዝ ህዝቢ እዙይ ከዓ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ዘክር” በሎ።
ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ።
‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ።