4 ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።
“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።
ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።
ኣስቴር ድማ መሊሳ ኣብ እግሪ ንጉስ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ፤ ነቲ ሃማ ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈሓሶ ተንኰል ከፍርስ ለመነቶ።