3 ኣስቴር ድማ መሊሳ ኣብ እግሪ ንጉስ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ፤ ነቲ ሃማ ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈሓሶ ተንኰል ከፍርስ ለመነቶ።
ናብቲ እምባ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ ምስ መፀት ከዓ፥ በእጋሩ ኣፅኒዓ ሓዘቶ። ግያዝ ድማ ክርሕቓ ቐረበ፤ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና “እግዚኣብሄር ካባይ ሰዊሩዎ፥ ኣይገለፀለይን እምበር፥ ነፍሳ ሓዚና እያ እሞ ሕደጋ ደኣ” በሎ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።
ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።
ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።
ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ።
ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “ኣታ ጐይታይ! እዝ በደል እዙይ ኣባይ ጥራሕ ይኹን። በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ኽዛረብ፤ ቃል ገረድካውን ስማዕ።