Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 8:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ፀሓፎ፤ ብቐለበት ንጉስውን ሓተሞ። ነዝ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ንጉስ ዝተቐመጡ ልኡኻት ገይሩ ሰደዶ።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 8:10
13 Referencias Cruzadas  

ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ።


ነፍሲ ወከፍ መመሓደሪ ኸዓ ነቶም ሰረገላታት ዝስሕቡ ኣፍራስን ካልኦት ኣፍራስን ከምቲ ዝተሰርዐሉ ስገምን ሓሰርን ናብቲ ምዱብ ቦታ የምፅእ ነበረ።


እቶም ልኡኻት ድማ መልእኽትታት ንጉስን ሹመኛታቱን ሒዞም ናብ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፥ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም ነገሩ፦ “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ።


ሕዚ ኸዓ እቲ ብስም ንጉስ ዝተፅሓፈን ብቐለበት ንጉስ ዝተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባ ኣይሁድ፥ ደስ ዝበለኩም ብስመይ ፀሓፉ፤ ብቐለበተይውን ሕተምዎ” በሎም።


መዋእለይ፥ ካብ ጐያዪ ሰብ ይቕልጥፋ፤ ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ።


ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ?


ብዙሓት ኣግማል፥ ኣግማል ምድያምን ጌፌርን፥ ክሽፍኑኺ እዮም፤ ንምድርኺ ኽመልእዋ እዮም፤ እወ፥ ኵላቶም ወርቅን ዕጣንን ፅዒኖም፥ ካብ ሳባ ኽመፁ፥ ምስጋና እግዚኣብሄር ድማ፥ ክነግሩ እዮም።


ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።


ብኣኺ ንፈረስን ንፈረሰኛን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዝቕመጥን ከዓ፥ ክሰባብር እየ፤


ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።


ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos