1 በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ናይ ሃማ እቲ ፀላእ ኣይሁድ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር፥ መርዶክዮስ ዘመዳ ምዃኑ ንንጉስ ነጊራቶ ነበረት እሞ፥ መርዶክዮስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።
እቶም ብዙሕ ጊዜ ንጉስ ምኽሪ ዝጥይቖም ዝነበረ ኸዓ ኻርሽና፥ ሼታር፥ ኣድማታ፥ ተርሺሽ፥ ሜረስ፥ ማርስና፥ መሙካን ነበሩ። እዚኣቶም ኵልሻዕ ኣብ ጥቓ ንጉስ ዝቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮምን ሸውዓተ ሹመኛታት ፋርስን ሜዶንን እዮም።
ኣስቴር እታ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ጓል ኣቢካኢል ሓወቦኡ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ፥ ብዘይ ሄጌ፥ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ዝበላ ኻልእ ነገር ኣይደለየትን። ኣስቴር ከዓ በቶም ብዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅሎም ፍትውቲ ነበረት።
ንሱ፥ ኣስቴር ንዝተብሃለት ሃዳሳ፥ ጓል ሓወቦኡ ነበረቶ። እታ ጓል እቲኣ የመና ምልክዕቲ ነበረት፤ ንምርኣያ ድማ ፅብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ኸዓ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።
ኣስቴር ድማ “እቲ ተፃራርን ፀላእንስ እዝ ሕሱም ሃማ እዩ” በለት። ሽዑ ሃማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ብፍርሓት ኣንቀጥቀጠ።
ሽዑ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን “እንሆ፥ ሃብቲ ሃማ ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ንኣይሁድ ከጥፍእ ኢዱ ስለ ዝዘርግሐ ኣብ ጕንዲ ተሰቐለ።
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።
እቲ ብሃረፃን ብዘይግባእ ረብሓን ሃብቲ ዘብዝሕ፥ ነቲ ንድኻታት ዝርህርሀሎም ሰብ ይእክበሉ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።