Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 7:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 7:4
18 Referencias Cruzadas  

ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ።


ብሓንቲ መዓልቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ብወርሒ ኣዳር፥ ንዅላቶም ኣይሁድ፥ ነጕባዝን ንኣረጋውያንን፥ ንህፃናትን ንኣንስትን፥ ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ድማ ኽዘምቱን መልእኽትታት ብፈጣናት ፈረሰኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ንጉስ ሰደዱ።


ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ።


ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስቴር “እቲ ነዙይ ክገብር ዝደፍር መን እዩ? ኣበይከ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቓ።


ኣስቴር ድማ “እቲ ተፃራርን ፀላእንስ እዝ ሕሱም ሃማ እዩ” በለት። ሽዑ ሃማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ብፍርሓት ኣንቀጥቀጠ።


ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉ፥ ነቶም ሓደጋ ዘውድቑሎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስ ናይ ህፃናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ንብረቶም ክዘርፉን ፈቐደሎም።


ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመፅእ መከራ ኽርኢ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክፃወር እኽእል?”


ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወት ግና፥ ንሱ መልእኽትታት ፅሒፉ “እቲ ሃማ ንኣይሁድ ዝተተናዀሎም ሕሱም ተንኰል ኣብ ርእሱ ይመለስ፤ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢሉ ኣዘዘ።


እቲ ንጉስ ምእንቲ ኸይጕዳእ፥ ነቶም መሳፍንቲ ዝቈፃፀርዎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ ሸመ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ዳንኤል ነበረ።


ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ኢየሩሳሌምን ድማ፥ ካብ ወሰኖም ክተርሕቕዎም፥ ናብ ግሪካውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ፃድቕ ስለ ገንዘብ፥ ነቲ ፅጉም ድማ ስለ ሓደ ፅምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት እስራኤል፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።


እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥


በታ፥ ‘ደጊም መሊስኩም ኣይትሪእዋን ኢኹም’ ዝበልኩኹም መንገዲ፥ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብፂ ኽመልሰኩም እዩ። ኣብኡ ድማ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ክትኮኑ፥ ንባዕልኻትኩም ናብቶም ፀላእትኹም ክትሸጡ ትደልዩ፥ ዝዕድገኩም ግና ኣይርከብን።”


ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፤ ካባኻትኩምውን ንቤት ኣምላኸይ ቈረፅቲ ዕንፀይትን ቀዳሕቲ ማይን ዝኾነ ባርያ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን” በሎም።


እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos