Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 7:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፥ ንጉስ ከዓ እንተ ፈቲኻ፥ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ዘለኹ።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 7:3
9 Referencias Cruzadas  

ሹመኛታቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ፥ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምናልባሽ ንነፍስኻ እንተ መሓራስ፥ በይዛኻ ኣብ ሕቘና ወጮ ተዓጢቕና፥ ኣብ ርእስና ኸዓ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንኺድ” በልዎ።


እቲ ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸዓ ናብ ኤልያስ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተምበርኪኹ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነፍሰይን ነፍሲ እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻን ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን።


እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳ ዝተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ኣትያ ድማ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኢሉ ንኣክራትዮስ ሃቦ።


ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዝሰትየሉ ዝነበረ ብቝጥዓ ተሲኡ፥ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣዳራሽ ከደ። ሃማ ግና፥ ንጉስ ክቐፅዖ ኸም ዝመደበ ፈሊጡ ስለ ዝነበረ፥ ህይወቱ ኽተምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ኣብኡ ተሪፉ ነበረ።


ከምዙይ ድማ በለት፦ “ንጉስ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ኸዓ ብኣኻ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፥ ሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ነቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ከጥፍእ ሓሲቡ ዝፀሓፈን መልእኽትታት ክልወጣ ኣውጅ።


ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ።


ንስኻ ድማ ‘ኣብኣ ኸይመውትስ ናብ ቤት ዮናታን ኣይትምለሰኒ ኢለ እየ ንንጉስ ዝለመንክዎ’ በሎም።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos