3 ሽዑ እቲ ንጉስ “ብዛዕባ እዙይከ ንመርዶክዮስ ከመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ?” ኢሉ ጠየቐ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ድማ “ዝኾነ ነገር እኳ ኣይተገበረሉን” ኢሎም መለሱ።
እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን።
ዳዊት ከዓ “እቲ ቐዲሙ ንኢያቡሳውያን ዝተዋግኦም፥ ሓለቓን ኣዛዚ ሰራዊተይን ክገብሮ እየ” በለ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ኣቐዲሙ ወፀ፤ ሓለቓውን ኮነ።
ኣብኡ ኸዓ እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፥ ገበታን ታራን፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ሻራ ገይሮሙሉ ኸም ዝነበሩ፥ መርዶክዮስ ድማ ኸም ዝነገሮ ተፅሒፉ ተረኽበ።
እቲ ንጉስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስቲ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ሃማ ንመርዶክዮስ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጕንዲ ኽሰቕሎ፥ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፥ ናብቲ ቕፅሪ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነበረ።
ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።
ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ።
ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።
ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።