Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 5:2
9 Referencias Cruzadas  

ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።


ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።


ኣስቴር ድማ ንሄጋይ ደስ ኣበለቶ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንፅባቐ ዘድልያን፥ ዝግብኣ ምግብን፥ ካብ ቤት ንጉስ ዝተመደባላ ሸውዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንኣኣን ነግራዳን ድማ ኻብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለፀ ቤት ኣእተዋ።


“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።


ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሐላ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት።


እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ።


ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።


ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤


ካብ ኵሉ መከራኡ ኸዓ ኣውፅኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድማ፥ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብፅን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos