Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 5:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 5:1
14 Referencias Cruzadas  

ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም።


ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።


“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።


“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።


መርዶክዮስ ከዓ ኸይዱ፥ ከምቲ ኣስቴር ዝኣዘዘቶ ዅሉ ገበረ።


እቲ ንጉስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስቲ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቐ። ሃማ ንመርዶክዮስ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጕንዲ ኽሰቕሎ፥ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፥ ናብቲ ቕፅሪ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነበረ።


መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት።


“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።


እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ።


ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ መፂኦም ከይሰርቅዎ፥ ንህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ሞት ተሲኡ ኸይብሉ እሞ፥ ካብ እታ ቐዳመይቲ፥ እታ ዳሕረወይቲ ጌጋ ዝገደደት ከይትኸውንስ፥ ክሳዕ ሳልሳይ መዓልቲ፥ እቲ መቓብር ብፅኑዕ ክሕሎ ኣዝዝ” በልዎ።


ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos