9 ኣክራትዮስ ድማ ናብ ኣስቴር መፂኡ፥ መርዶክዮስ ዝበሎ ነገራ።
ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ንመርዶክዮስ ከምዙይ ኢሉ ኽነግሮ ኣዘዘቶ፦
ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ።
እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳ ዝተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ኣትያ ድማ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ኢሉ ንኣክራትዮስ ሃቦ።
ከምቲ በረድ ብፅብሓት፥ ዝናም ድማ ብቐውዒ ዘየድሊ፥ ከምኡውን ንሰነፍ ኽብረት ኣይግብኦን።