6 ኣክራትዮስ ድማ ናብ መርዶክዮስ፥ ናብታ ቕድሚ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ኣደባባይ እታ ኸተማ ወፀ።
ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።
ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ንእኡ ዝወረዶ ዅሉ ነገርን፥ ሃማ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ከእትዎ ኢሉ ዝመዘኖ ቝፅሪ እቲ ገንዘብን ነገሮ።
በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኽሰትዩ እንተለዉ ድማ እቲ ንጉስ መሊሱ ንኣስቴር “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፥ ልመናኺ እንታይ እዩ? ኽገብረልኪ ድልየትኪ እንታይ እዩ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይውን እንተ ኾነ እኳ፥ ክህበኪ እየ” በላ።
ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር “ኣይሁድ ኣብ ከተማ ሱሳ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባትን ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ቀተሉ፤ ኣጥፍእዎምውን። ኣብተን ካልኦት ግዝኣተይ ደኣ ኸመይ ገይሮም ይኾኑ? ሕዚኸ እንታይ እዩ ልመናኺ? ኽወሃበኪ እዩ፤ እንታይከ ትደልዪ? ኽፍፀመልኪ እዩ” በላ።