5 ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ።
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ንጉስ፥ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፤ ንምሁማን፥ ንባዛን፥ ንሓርቦናን፥ ንገበታን፥ ንዘቶልታን፥ ንዜታርን፥ ንከርከስን፥ ነቶም ዘገልግልዎ ሸውዓተ ስሉባት ፀውዖም።
እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።
ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ንመርዶክዮስ ከምዙይ ኢሉ ኽነግሮ ኣዘዘቶ፦
ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባት ሓለውታን ድማ ናብኣ መፂኦም እዝ ነገር እዙይ ነገርዋ። ሽዑ ኣስቴር የመና ሓዘነት፤ ንመርዶክዮስ ከዓ ኽንዲ ወጮ ኽዳን ክኽደን ሰደደትሉ፤ ግና ኣይተቐበላን።
ኣክራትዮስ ድማ ናብ መርዶክዮስ፥ ናብታ ቕድሚ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ኣደባባይ እታ ኸተማ ወፀ።
ኣክራትዮስ ድማ ናብ ኣስቴር መፂኡ፥ መርዶክዮስ ዝበሎ ነገራ።
ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።