Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 4:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባት ሓለውታን ድማ ናብኣ መፂኦም እዝ ነገር እዙይ ነገርዋ። ሽዑ ኣስቴር የመና ሓዘነት፤ ንመርዶክዮስ ከዓ ኽንዲ ወጮ ኽዳን ክኽደን ሰደደትሉ፤ ግና ኣይተቐበላን።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 4:4
10 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ንሱ ግና ምፅንናዕ ኣበየ፤ “ብሓዘን ናብ ወደይ፥ ናብ መቓብር ክወርድ እየ” በለ። ስለዙይ ኣቦኡ ብዛዕባኡ በኸየ።


ኢዩ ኸዓ ገፁ ናብ መስኮት ኣንቃዕሪሩ፥ “ምሳይ ዝሓብር መን ኣሎ? መን?” በለ። ሽዑ ኽልተ፥ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ንታሕቲ ጠመቱ።


እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።


ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።


ሽዑ ኣስቴር ንኣክራትዮስ ፀውዓቶ፤ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፥ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዝመደበላ ነበረ። እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ፥ ስለ ምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፍልጣ ናብ መርዶክዮስ ክኸይድ ኣዘዘቶ።


ብመዓልቲ መከራይ ንእግዚኣብሄር ደለኽዎ፤ ኣእዳወይ ብለይቲ ኣብ ቅድሚኡ እየን፤ ኣይዓረፍኩንውን፤ ነፍሰይውን ክትፀናናዕ ኣይከኣለትን።


ናብ እግዚኣብሄር ዝተፀግዐ መፃእተኛ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ” ኣይበል፤ እቲ ስሉብውን “ኣነ ንቑፅ ኦም እየ” ኣይበል።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ኣርማቴም ድምፂ ዋይ ዋይታን፥ ድምፂ መሪር ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ የለዉን እሞ፤ ስለ ደቃ ምፅንናዕ ኣበየት።”


ተሲኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፥ ንህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ፥ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ነበረ።


ኣስራት ዝሩእኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸዓ ንሹመኛታቱን ንኣገልገልቱን ክህቦም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos