2 ወጮ ተኸዲንካ ብኣፍ ደገ ንጉስ ምእታው ዘይግባእ እኳ እንተ ነበረ፥ ንሱ ግና ኽሳዕ ኣፍ ደገ ንጉስ መፀ።
መዓልቲታት ሓዘን ምስ ተወድአ ኸዓ፥ ዮሴፍ ንቤተ ሰብ ፈርዖን፦ “ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻትኩም ንፈርዖን፦
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
ኣብ ኵለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ኸዓ፥ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ፆምን ብኽያትን ዋይ ዋይታን ኮነ። ብዙሓትውን ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙዅሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።
እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸደነ ሰብዶ፥ ክትሪኡ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌፁን፥ ብምቾት ዝነብሩንስ፥ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ኣለዉ።