12 ዘረባ ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ነገሮ።
“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።
መርዶክዮስ ድማ ንኣክራትዮስ፥ ኪድሞ ንኣስቴር ከምዙይ በላ በሎ፦ “ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘለኺ፥ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፥ ንበይንኺ ኽድሕን እየ ኢልኪ ኣይትሕሰቢ።