8 ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ።
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ድማ፥ ብመጀመርታ ዘመን መንግስቱ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናይ ክሲ ነገር ፀሓፉ።
“ሕዚ ኸዓ ነቲ ንሙሴ ባርያኻ ዝበልካዮ ዘክር፦ ‘እንተ በደልኩምኒ ኣነ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ።
ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።
ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።
በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ።
እቲ ንጉስ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ጐሃየ፤ ንዳንኤል ምእንቲ ኸናግፎ ኸዓ ምኽንያት ደለየ፤ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብውን ከድሕኖ ፀዓረ።
ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።
ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”
ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይነ እሪኦ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት ኮይነውን እጥምቶ ኣለኹ። እንሆ፥ ንበይኑ ዝቕመጥ ህዝቢ፥ ካብ ህዝብታት ፍሉይ ዝኾነ ህዝቢ እዩ።
ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ?
እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።
ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና፥ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዝቃወምዋ፥ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ እቲ ንስኻ እትሓስቦ፥ ካባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ።
ፈፂመ ኽድምስሶም፥ መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።
እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።
ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጴጥሮስ፥ ኣብ ጳንጦስ፥ ገላትያ፥ ቀጰዶቅያ፥ እስያ፥ ቢታንያ፥ ተበቲኖም ንዘለዉ ስደተኛታት፥