7 ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ድማ፥ ብመጀመርታ ዘመን መንግስቱ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናይ ክሲ ነገር ፀሓፉ።
እዝ ቤት እዙይ ድማ ብሻድሻይ ዓመት መንግስቲ ዳርዮስ፥ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈፀመ።
ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ።
ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ንዅሎም ዓበይትን ሹመኛታቱን፥ ንመራሕቲ ሰራዊት ፋርስን ሜዶንን፥ ነቶም ገዛእቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም።
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ ብዓስረይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ጤቤት፥ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ኣዳር እትበሃል መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ በታ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍፀመላ መዓልቲ፥ በታ ፀላእቲ ኣይሁድ ክዕብልልዎም ተስፋ ገይሮምላ ዝነበሩ መዓልቲ፥ እቲ ነገር ተገልቢጡ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ስልጣን ረኸቡ።
ንመበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትን፥ ንመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልትን ናይ ወርሒ ኣዳር፥ በብዓመቱ ኸብዕልወን ኣዘዞም።
ኣይሁድ ንዅሎም ፀላእቶም ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎም፤ ኣጥፍእዎምውን። ንዅሎም ፀላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም።
ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ምስ ሰቐልዎ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈሉ።