6 መርዶክዮስ ኣይሁዳዊ ኸም ዝኾነ ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ኢዱ ኽዝርግሕ፥ ኣብ ዓይኑ ዝተንዓቐ ኾይኑ ተርኣዮ፤ ስለዙይ ሃማ ንህዝቢ መርዶክዮስ፥ ነቶም ኣብ ኵላ መንግስቲ ኣርጤክስስ ዝነበሩ ንዅላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ።
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ድማ፥ ብመጀመርታ ዘመን መንግስቱ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናይ ክሲ ነገር ፀሓፉ።
ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወት ግና፥ ንሱ መልእኽትታት ፅሒፉ “እቲ ሃማ ንኣይሁድ ዝተተናዀሎም ሕሱም ተንኰል ኣብ ርእሱ ይመለስ፤ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢሉ ኣዘዘ።
“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።
ሓቢሮም ኣብ ልዕሌኻ ተማኸሩ፤ ኣብ ልዕሌኻውን ኣሻረዉ፤ ቃል ኪዳን ተኣታተዉ።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።
ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”