4 መዓልቲ መዓልቲ እውን ከምኡ እናበሉ የትክርዎ ነበሩ። ንሱ ግና ምስማዕ ኣበዮም። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ሃማ ንግብሪ መርዶክዮስ ሸለል ዝብሎ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንሃማ ነገርዎ።
ኵልሻዕ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ እናበለት ተትክሮ ነበረት። ዮሴፍ ግና ምስኣ ኽድቅስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ኽቐርብ ኣይደልን ነበረ።
“ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ኸዓ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሐሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ይደይብ።
እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ።
ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ።
እምበኣር፥ ኦ ንጉስ፥ እቶም ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከመሓድሩ ዝሸምካዮም፥ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ኣይሁድ፥ ትእዛዝካ ኣይቕበሉን፤ ንኣማልኽትኻ ድማ ኣየምልኹን፤ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም” በልዎ።
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ።
ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም።