2 እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ዅላቶም ሹመኛታት ድማ ንሃማ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። እዙይ ከዓ እቲ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። መርዶክዮስ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን።
ኣብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣቐመጦ፤ እቶም ኣዋጅ ነጋሮውን ዓው ኢሎም “ንዮሴፍ ስገዱ” እናበሉ ቐቅድሚኡ ይኸዱ ነበሩ።
በቲ እዋን እቱይ መርዶክዮስ ብንጉስ ተሸይሙ ነበረ።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን መርዶክዮስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ሽመቱ እንተሎ፥ ቢግታንን ቴረሽን ዝበሃሉ ኻብቶም ነቲ ደገ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኽልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ከልዕሉ ደለዩ።
ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።
እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ።
ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማ ደስ ኢሉዎ፥ ልቡ ኸዓ ተሓጕሱ ኻብቲ ምሳሕ እንትወፅእ እንተሎ መርዶክዮስ ኣብ ደገ ንጉስ ብድድ እንተይበለ፥ ካብኡውን እንተይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ኸም ዘሕለፎ ምስ ረአየ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ቍጥዓ መልኦ።
ክፉእ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ዝተንዓቐ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ዘኽብር፥ ንብፃዩ ምሒሉ ዘይጠልም፥
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈፂመ ኽድምስሶ እየ እሞ፥ ምእንቲ ኽዝከር ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ፤ ንኢያሱውን ንገሮ” በሎ።
“ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዘልዓለ ሰልፊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማሌቅ ንውሉድ ወለዶ ይኹን” በለ።
ዳንኤል ስለ ዝለመኖ ኸዓ፥ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፤ ዳንኤል ግና ኣብ በሪ ቤት ንጉስ ነበረ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን።
ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥
ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።