Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 3:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 3:12
12 Referencias Cruzadas  

ብስም ንጉስ ኣክኣብ መልእኽቲ ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመት፤ ናብቶም ኣብ ከተማ ኢይዝራኤል ምስ ናቡቴ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ለኣኸቶ።


እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ሰገር ንየው ሩባ ንዝነብሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ድማ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።


ኣብ ኵለን ግዝኣቱ ድማ እቲ ንጉስ ንዅሉ ሃገር ከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኸዓ በብቛንቋኡ መልእኽቲ ሰደደ። እተን መልእኽትታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ኽመልኽ ዝእዝዛ ነበራ።


ንጉስ ከዓ ንሃማ “ዝደለኻዮ ኽትገብርስ፥ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተውሂቡ እዩ” በሎ።


ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።


እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንዅሉ ናብኣቶም ዝተፀግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኣተን፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ በብእዋኑን በብመዓልቱን እንተየዛብዑ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣፅንዕዎ።


ንስኻ ነፍሲ ወከፍ፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃ ደርፍን ዝሰምዕ ኵሉ ሰብ፥ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኽሰግደሉ ኣዘዝካ።


ሽዑ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪቦም ንዳንኤል ከሰስዎ፦ “ኦ ንጉስ፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን፥ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝለመነ፥ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ እዩ፥ ኢልካዶ ኣዋጅ ኣይኣወጅካን ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። እቲ ንጉስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ ከምቲ ኽልወጥ ዘይከኣል፥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ፀኒዑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።


ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተመሊሶም “ኦ ንጉስ፥ እቲ ንጉስ ዘፅንዖ ኣዋጅን ትእዛዝን ከይልወጥ፥ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዝኾነ ፍለጥ” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።


ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ሰላም ይብዝሐልኩም!


ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos