በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ክትምርምር፥ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን፥ ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ድማ፥ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ውህብቶ፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፥ ካብ ንጉስን ካብቶም ሸውዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።