9 ኣስቴር ድማ ንሄጋይ ደስ ኣበለቶ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንፅባቐ ዘድልያን፥ ዝግብኣ ምግብን፥ ካብ ቤት ንጉስ ዝተመደባላ ሸውዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንኣኣን ነግራዳን ድማ ኻብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለፀ ቤት ኣእተዋ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ።
ዮሴፍ ከዓ ኣብ ቅድሚ ጲጥፋራ ሞገስ ረኸበ፤ ኣገልጋሊኡውን ኮነ። ስለዙይ ኣዛዚ ገዛኡ ገበሮ፤ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ኣረከቦ።
ነቶም ዝበደሉኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ በደል ዝገበሩ ህዝብኻ ዅሉ በደሎም ይቕረ በለሎም፤ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ኽገብሩሎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማረኽቶም ምሕረት ሃቦም።
እዝ እዝራ ካብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፈጣን ፀሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ፥ ዝደለዮ ዅሉ ንጉስ ሃቦ።
ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ።
ሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ቅድሚ ምእታዋ ኸም ስርዓት ኣንስቲ ኽትዳሎ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ የድልያ ነበረ፦ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፥ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ እናተቐብአት ትዳሎ ነበረት።
እቲ ንጉስ መልክዐን ዝፀበቓ ዅለን ደናግል ናብ ከተማ ሱሳ ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፥ እቲ ስሉብ ሓሽከር ንጉስ ሓላዊ ኣንስቲ፥ ዝእክብወን ሹመኛታት ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስትኻ ይምረፁ። ቅብኣትን ንፅባቐ ዘድልን ከዓ ይወሃበን።
ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበት፤ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።
እግዚኣብሄር ከዓ ንዳንኤል፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሃቦ።
ካብ ኵሉ መከራኡ ኸዓ ኣውፅኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድማ፥ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብፅን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ።