7 ንሱ፥ ኣስቴር ንዝተብሃለት ሃዳሳ፥ ጓል ሓወቦኡ ነበረቶ። እታ ጓል እቲኣ የመና ምልክዕቲ ነበረት፤ ንምርኣያ ድማ ፅብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ኸዓ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።
“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።
ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም።
ኣስቴር እታ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ጓል ኣቢካኢል ሓወቦኡ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ፥ ብዘይ ሄጌ፥ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ዝበላ ኻልእ ነገር ኣይደለየትን። ኣስቴር ከዓ በቶም ብዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅሎም ፍትውቲ ነበረት።
ኣስቴር ከዓ ኸምቲ ምስኡ ተዓቚባ እንተላ ንመርዶክዮስ እትእዘዞ ዝነበረት፥ ከምቲ መርዶክዮስ ዝኣዘዛ፥ ዓሌታን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ናይ ሃማ እቲ ፀላእ ኣይሁድ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር፥ መርዶክዮስ ዘመዳ ምዃኑ ንንጉስ ነጊራቶ ነበረት እሞ፥ መርዶክዮስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።
ቍራስ እንጀራይ በይነይ እንተ በሊዐ፥ እቲ ደኽታም ድማ ኻብኡ እንተይበልዐ ተሪፉ እንተ ኾይኑ፥
እኳ ደኣ ንደኽታም ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ከም ኣቦ ኾይነ ኣዕበኽዎ፤ ንመበለት ድማ ኻብ ማህፀን ጀሚረ መራሕኽዋ።
ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ይብል፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።
ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ እያ፥ ነኣናውን ዘይፈለጠትና።