5 ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።
ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።
ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ።
ንኢኮንያን ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶ፤ ንእኖ እቲ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣርጤክስስ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ። ኣብ ኣይሁድ ክቡር፥ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ህዝቡ ፅቡቕ ክረኽቡ፥ ኵሎም ዘርኡ ድማ ብደሓን ክነብሩ ይፅዕረሎም ነበረ።
እቲ ንጉስ መልክዐን ዝፀበቓ ዅለን ደናግል ናብ ከተማ ሱሳ ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፥ እቲ ስሉብ ሓሽከር ንጉስ ሓላዊ ኣንስቲ፥ ዝእክብወን ሹመኛታት ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስትኻ ይምረፁ። ቅብኣትን ንፅባቐ ዘድልን ከዓ ይወሃበን።
ነቲ ንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኽንዲ ኣስጢን ንግስቲ ትኹን” በሉ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ ኸምኡ ገበረ።
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና ኣብቲ ኣብ መንፅር ቤተ መንግስቲ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ፥ ኣብ ዙፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐሚጡ ነበረ።
ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ።