Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 10:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኵሉ ግብሩን፥ ምሉእ ታሪክ ናይቲ ንጉስን፥ ንመርዶክዮስ ከመይ ገይሩ ልዕል ከም ዘበሎን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 10:2
10 Referencias Cruzadas  

እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገርን፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጥበቡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ሰሎሞን ተፅሒፉ ኣሎ።


እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ታሪክ፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን ከመይውን ከም ዝነገሰን፥ እንሆ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?


እቲ ዝተረፈ ናይ ኣክኣብ ነገርን፥ እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን፥ እተን ዝሰርሐን ኵለን ከተማታትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?


እቲ ነገር ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኽበ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ኦም ተሰቐሉ። እዙይውን ብትእዛዝ ንጉስ ኣብ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፈ።


እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ።


መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት።


ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።


መርዶክዮስ ልዕል ልዕል እናበለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ኾይኑ ነበረ፤ ዝና መርዶክዮስውን ኣብ ኵለን ሃገራት ተሰምዐ።


ንድሕነተይውን መተኣማመኒ ሂብካኒ፤ የማነይትኻውን ትድግፈኒ፤ ትምህርትኻውን ንዘለኣለም የፅንዐኒ፤ ዝምህረኒውን ተግሳፅካ እዩ።


ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos