7 እቲ መስተታት ድማ ብኣቑሑ ወርቂ ይቐርብ ነበረ፤ እቲ ኣቑሑ ኸዓ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ድማ ኸም ልግሲ ንጉስ የመና ብዙሕ ነበረ።
ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ኵሉ ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝነበረ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ፈፂሙ ኣይቝፀርን ነበረሞ፥ ብብሩር ዝተገብረ ኣቕሓ ኣይነበረን።
ኵሉ ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ዝነበረ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ኣይቝፀርን ነበረ።
ንጉስ ከዓ ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኽሰቲ እምበር፥ ንሓደ እኳ ኸይኸልእዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፥ እቲ ምስታይ ከም ድሌትካ ነበረ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹመኛታቱን ንሓሻኽሩን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። እቲ ድግስ እቱይ ከዓ ንኽብሪ ኣስቴር ነበረ እሞ፥ ኣብታ ሃገር በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግስነት ንጉስውን ውህብቶታት ሃበ።
ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።