5 እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ሓለፋ፥ እቲ ንጉስ ንዅሎም ነቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝነበሩ ህዝቢ ድኻን ሃብታምን እንተይፈለየ ኣብ ማእኸል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም።
ሽዑ ንሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ሃብቲ እቲ ኽብሪ መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉፅ ግርማኡን ኣርኣዮም።