13 ንንጉስ፥ ሕግን ስርዓትን ብዝምልከት ነገር ከጋጥሞ እንተሎ፥ ነቶም ፈላጣት ሕግን ስርዓትን ፀዊዕኻ ምጥያቕ ልሙድ ነበረ እሞ፥ ሽዑ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ ፀዊዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ጠየቖም።
ካብ ደቂ ይሳኮር ከዓ፥ እስራኤል እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ዝፈልጡ፥ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፥ ክልተ ሚእቲ ዋናታት፥ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝኾኑ ዅሎም ኣሕዋቶም።
ካብ ዛብሎን ብዅሉ ዓይነት ኣፅዋር ውግእ ዝተዓለሙ፥ ፈላጣት ስርዓት ውግእ ንዳዊት ከዓ ብዘይምውልዋል ብልቢ ዘገልግልዎ ሓምሳ ሽሕ።
እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።
ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፥ ክትከብር ይግብአካ እዩ፤ ካብ ኵሎም ጠቢባን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሎም መንግስታቶምን፥ ሓደ እኳ ከማኻ የለንሞ፤ ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ?
እዙይውን ነቲ ንጉስ የመና ኣቘጥዖ፤ የመናውን ተናደደ፤ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ጠቢባን ድማ ኽቕተሉ ኣዘዘ።
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።
ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን።
ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።
ምስ ወግሐ ድማ ‘ደመና ኾይኑ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፥ ሎምስ ክዘንም እዩ’ ትብሉ፤ ኣቱም ግብዛት! ገፅ ሰማይ ምልላይ ትፈልጡ፤ ናይ ዘመናት ምልክት ደኣ ኸመይ ዘይትፈልጡ?
ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ኻብ ሃገር ምብራቕ ዝመፁ ሰብኣ ሰገል፥ “ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መፂእና ኢና እሞ፥ እቲ ዝተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሑ።