Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኣስቴር 1:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም።

Ver Capítulo Copiar




ኣስቴር 1:11
9 Referencias Cruzadas  

ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብቑመናኡ የመና ዝተንኣደ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ፅፍሪ እግሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሱ ዝወዳደሮ ኣይነበረን።


እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።


ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊፁ ፈተዋ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑውን ሕልፊ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቱ ደፍአላ፤ ክንዲ ኣስጢን ድማ ንግስቲ ኾነት።


ንጉስ ዝኽደኖ ልብሲ መንግስቱ፥ ንጉስ ዝቕመጦ ፈረስ የምፅኡሉ፤ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ።


ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።


ፅባቐ ሓሰት እዩ፤ ቁንጅና ድማ ኸንቱ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና፥ ክትነኣድ ይግብኣ።


ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos