9 ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
ሕዚ ድማ ስጋና ከም ስጋ ኣሕዋትና፥ ደቅና ኸዓ ኸም ደቆም ሓደ እናሃለዉ፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና። ካብተን ኣጓላትና ድማ ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ። ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓሊፉ ስለ ዘሎ፥ ክነድሕኖም ኣይንኽእልን” ይብሉ ነበሩ።
ኵላቶም ስራሕ ኣእዳዉ እዮም እሞ፥ ገፅ ኣሕሉቕ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ፤ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ።
እግዚኣብሄር ንድኻታት ፍርዲ፥ ንምስኪናት ፍትሒ ኸም ዝገብር ፈለጥኩ።
ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።
ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ።
ንብፃይካ ኣይትዓምፆ፤ ወይ ኣይትኽተሮ፤ ደመወዝ ሰራሕተኛ ንሓደ ለይቲ እኳ ምሳኻ ኣይሕደር።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም፥ ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ንዅሉ ዝረኸብዎ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽውን ብተቐማጦ መልአ።
ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ‘ድግስ እቲ መርዓ ተሰናድዩ እዩ፤ ግና ነቶም ዕዱማት ኣይተገብኦምን።
እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥
ብዘሰቅቕ ሞት ይቐፅዖ፤ ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።”
እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”
ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
ንስኻትኩም ‘መምህርን ጐይታን’ ኢልኩም ትፅውዑኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ፅቡቕ በልኩም።
ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።
እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።
ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥
እቲ ባርያ እንተሎ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ፥ ናይ ጐይታ ውፁእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ እንተሎ ዝተፀውዐ፥ ባርያ ክርስቶስ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።
እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።
ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ንመገልገልትኹም ቕኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
ነቲ ኣብ መፅሓፍ ዝርከብ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክቡር ሕጊ፥ እትፍፅምዎ እንተ ዄንኩም ግና፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።
ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።