4 ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ።
ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ስርዓታትካን ሕግጋትካን ክሕሉ፥ ንዅሉ ድማ ኽፍፅሞ፥ ነዝ ኣነ መስርሒኡ ኣዳልየሉ ዘለኹ ቤተ መቕደስ ክሰርሕውን ፍፁም ልቢ ሃቦ።”
ገና ተስፋ እንተሎ ንወድኻ ቕፅዓዮ፤ ምሟቱውን ኣይትድለ።
ስንፍና ኣብ ልቢ ህፃን ተኣሲሩ ኣሎ፤ በትሪ መቕፃዕቲ ግና ኻብኡ የርሕቖ።
ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ምርሓዮ፤ ምስ ዓበየውን፥ ካብኣ ኣየግልስን እዩ።
በትርን ተግሳፅን ጥበብ ይህቡ፤ ዘይተቐፅዐ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።
ንውሉድካ ቕፅዓዮ ኸዕርፈካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ታሕጓስ ክህባ እዩ።
ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።
ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን።
ኣቱም ወለዲውን፥ ተስፋ ምእንቲ ኸይቘርፁ፥ ንደቕኹም ኣይተቘጥዕዎም።
ነታ ኣባኻ ዘላ፥ ግብዝና ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ፥ ቅድም ኣብ እኖሓጐኻ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ኸም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ።
ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”
ማኑሄ ድማ “እዝ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ስርዓት እቲ ቘልዓ እንታይ እዩ? እንገብረሉኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።