12 ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ከዓ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ” ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፥ ስጋን ደምን ኣይገለፀልካን እሞ፥ ብፁእ ኢኻ” በሎ።
እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።
ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።
ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኣእዳውኩምኳ ኣየልዓልኩምለይን፤ እዙይ ግና ጊዜኹምን፥ ጊዜ ናይ ፀልማት በዓል ስልጣንን እዩ” በሎም።
እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።
ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤
ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥
ግና ኣሕዋተይ፥ ስጋን ደምን፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክወርስ ከም ዘይከኣሎ፥ እቲ መዋታይ ነቲ ዘይመውት ከም ዘይወርስ፥ እነግረኩም ኣለኹ።
ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ።
ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን።
ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ።
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ፥ ዝፈፀሞ ዘለኣለማዊ ምኽሩ፥ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ፥ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፥ ናይ ኣሸናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ።
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።