8 ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
ናይ ምድሪ ናይ ፀልማት ስፍራታት፥ ብገዛውቲ ሓጥኣን ተመሊአን እየንሞ፥ ናብ ኪዳንካ ተመልከት።
እምበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
ንእሱራት ውፁ፤ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝተቐመጡ ድማ፥ ተገለፁ ንኽትብሎም፥ ቃል ኪዳን ገይረ፥ ንህዝቢ ሂበካ ኣለኹ። በብመንገዱ ኽዋፈሩ እዮም፤ ኣብ ዝባደማ፥ ሳዕሪ ኣብ ዘይብለን ኰረብታታትውን፥ መጓሰዪ ኽረኽቡ እዮም።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
እቲ ኣብ ፀልማት ዝመላለስ ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ምድሪ ፅላሎት ሞት ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም።
እግዚኣብሄር ፀልማት እንተይሰደደ፥ ኣብቲ ዝፀልመተ እምባ ኸዓ፥ ኣእጋርኩም እንተይተሰናኸለ፥ ነታ እትፅበይዋ ብርሃን ናብ ፅላሎት ሞትን፥ ናብ ግብ ዝበለ ፀልማትን እንተይለወጣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።
እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ።
ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ንሱውን ኣብ ፀልማትን ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤ ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።”
ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ።
ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ፥ ካብኣቶም ከይዱ ተሰወሮም።
እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ኣብ ፀልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ፥ ናብ ዓለም መፂአ ኣለኹ።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
“መራሒ ዕውራት፥ ኣብ ፀልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ” ኢልካውን እትምካሕ፥
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ፥ ምስቶም ዘይኣምኑ ብሓደ ኣይትፀመዱ፤ ፅድቂ ምስ ሓጢኣት፥ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ፀልማት፥ እንታይ ሕብረት ኣለዎ?
ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ፥ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ፥ ትእዘዙ ነበርኩም።
ንሳቶም ብሰንኪ ትረት ልቦምን፥ ብሰንኪ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን፥ ኣእምሮኦም ፀልሚቱ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህቦ ህይወት ርሒቖም እዮም።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና።
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።