2 ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ፥ ኣብ ቅድመይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን፥ ምስቲ ዝተቓፀለ መስዋእቲ ጌርካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፅሎ። እዙይ ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።
በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።
እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።
እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
“ነቲ ዓመት በዓላትኩም ፀሊአዮ፥ ተፀይፈዮውን፤ እቲ ኣኼባኹምውን ደስ ኣየብለንን።
ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ኵሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ።
ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ።
ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ።
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥
ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።
ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።
እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ።
ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን።
ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቕዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ።
ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።
ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።
ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።
ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቆ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንፅህናውን ኣርኣያ ኹኖም።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፥ መባእን መስዋእትን ከቕርብ እዩ ዝሽየም፤ ስለዙይ እዝ ካህን እዙይውን ዘቕርቦ ኽህልዎ ግድን እዩ።
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
እምበኣር ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ምስሊ ዝኾነ፥ ብመስዋእቲ ኽነፅህ ግድን ካብ ኮነ፥ እቲ ሰማያዊ ነገራት ንባዕሉ ብዝሐሸ መስዋእቲ ኽነፅህ ግድን እዩ።
ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።
ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።
ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ።
ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፥ ንስንሳትናውን ክንፋቐርን እዩ።
ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤