10 እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፥ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ።
ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።
እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።
እቲ ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይ ድዩ? ሰብከ ንነፍሱ ዘሕስረሉ ብኸምዙይ ዝበለ መዓልቲ ድዩ? ኸም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፥ ወጮ ተኸዲንካ ሓመድ መንፀፍካ ምግባርን ድዩ? ብሓቂ ነዙይ ዲኻ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ መዓልቲ ፆም እትብሎ ዘለኻ?
ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ።
እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥
ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ።
ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።
ንዅሉ መርምርዎ፤ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።
እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሰናይን ዘሐጕስን እዩ።
ዝኾነት መበለት ግና፥ ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ሃልዮምዋ፥ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን፥ መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍፃም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እሞ።
እምበኣር ዘይትናወፅ መንግስቲ ስለ እንቕበል፥ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ እናበልና፥ ንእኡ እነምልኸሉ ፀጋ ንሓዝ።
እናበደልኩም፥ መቕፃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፥ እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ።
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
ዳዊት ድማ ሰይፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዓጠቐ። ፈቲኑዎ ኣይፈልጥን እሞ ክኸይድ ጀመረ። ዳዊት ድማ ንሳኦል “ፈቲነዮ ስለ ዘይፈልጥ፥ ከምዙይ ኢለ ክኸይድ ኣይክእልን እየ” በሎ፤ ዳዊትውን ካብ ልዕሊኡ ኣውፅኦ።