9 “ዓረገ” ማለት፥ ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ወሪዱ ኸም ዝነበረ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ።
ኣነ ብስውር እንትስራሕ፥ ኣካለይውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ እንትስራሕ፥ ኣዕፅምተይ ካባኻ ኣይተሰወሩን።
ንሳቶም ግና ንነፍሰይ ንኸንቱ ደለይዋ፤ ናብ መዓሙቕ ምድሪ ኽወርዱ እዮም።
ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤
እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ልዕሊ እምባ ሲና፥ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ወረደ። ንሙሴ ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ፀውዖ፤ ሙሴ ኸዓ ደየበ።
ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?
ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥ ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤ ኣቱም እምባታት፥ ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”
ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።
ኢየሱስ ድማ “ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም” በላ።
ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።
ስለዙይ ድማ ኣይሁድ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ” ስለ ዝበሎም ብእኡ ኣጕረምረሙ።
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ፥ እዙይ እዩ፤ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ግና፥ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።”
ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም?
ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንባዕለይ እኳ እንተ መስከርኩ፥ ካበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ እሞ፥ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኻበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጡን ኢኹም።
ካብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፋእኻሉ፤ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤
ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።