8 ስለዙይ ድማ እዩ “ናብ ላዕሊ ምስ ዓረገ፥ ብዙሓት ምሩኻት ሒዙ ኸደ፤ ንደቂ ሰብ ከዓ ውህብቶ ሃበ” ዝብል።
ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹመኛታቱን ንሓሻኽሩን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። እቲ ድግስ እቱይ ከዓ ንኽብሪ ኣስቴር ነበረ እሞ፥ ኣብታ ሃገር በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግስነት ንጉስውን ውህብቶታት ሃበ።
ምርኮ ማሪኽካ ናብ ኣርያም ዓረግካ፤ ውህብቶውን ንደቂ ሰብ ሃብካ፤ ኣብኡ ምእንቲ ኽሓድሩስ፥ ንዓመፀኛታትውን ሃብካ።
ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደኸ መን እዩ? ንንፋስከ ኣኪቡ ብኢዱ ዝዓመዀ መን እዩ? ንማይከ ኣብ ክዳኑ ዝቛፀሮ መን እዩ? ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዘፅንዐኸ መን እዩ? እዙይ ትፈልጥ እንተ ዄንካ መን እዩ ስሙ? ስም ወዱኸ መንዩ?
ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
ተስኢ! ዲቦራ ተስኢ! ተስኢ! ተስኢ! መዝሙር ዘምሪ፤ ባርቅውን ተስእ! ኣታ ወዲ ኣቢጊኤም፥ ምሩኻትካ ማርኽ።
ዳዊት ናብ ፂቅላግ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ “ካብ ምርኮ እቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር እንሆ ገፀ በረኸት” ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።