21 እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ደኣ ተምሂርኩም ኴንኩም፥ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ፥
ስለ ቕንዕናን ስለ የውሃትን ስለ ፅድቅን ኣቕንዕ፤ ተዳሎ ንገስውን፤ የማንካውን ብኽብሪ ኽመርሐካ እዩ።
ጴጥሮስ ገና እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ።
እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ።
እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም?
ብእግዚኣብሄር ተውሂቡ ዘሎ ዅሉ ተስፋ “እወ” ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሄር “ኣሜን” እንብል።
ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።
መፂኡ ኸዓ፥ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሰረ።
እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ እዩ።
ከምቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ፥ ካብታ ፀጋ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኹምላን፥ ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ።
ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።
ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።