2 ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።
እግዚኣብሄር ልዑል እዩሞ፥ ነቶም ትሑታን ይምልከቶም እዩሞ፥ ንትዕቢተኛታትውን ካብ ርሑቕ ይፈልጦም።
ስለ ቕንዕናን ስለ የውሃትን ስለ ፅድቅን ኣቕንዕ፤ ተዳሎ ንገስውን፤ የማንካውን ብኽብሪ ኽመርሐካ እዩ።
ምስ ዕቡያን ምርኮ ኻብ ምክፋልስ፥ ብትሑት መንፈስ ምስቶም ድኻታት ምዃን ይሐይሽ።
ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።
ናይ ነገር መወዳእታ፥ ካብ መጀመርታኡ ይበልፅ፤ ካብ ዕቡይ መንፈስ፥ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ።
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።
ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም።
ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን፥ ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፥
ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።
ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።
ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ።
ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።
እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።