16 ብክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ፥ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተሓሒዙን ተጠሚሩን፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ፥ ናይ ባዕሉ ስራሕ እናገበረ፥ ብፍቕሪ ይዓብን ይህነፅን።
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥
ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና።
እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።
ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።
ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥
ኣነ ኸዓ በቲ ኣሰራርሓ ሓይሉ ዝተዓደለኒ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣገልጋሊ ኾንኩ።
እዙይ ከዓ፥ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ፥
እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።
ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ።
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
እዙይ ከዓ፥ ልቦም ተፀናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑን፥ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን፥ ነቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡን ኢለ እየ፥ ዝጋደል ዘለኹ።
ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።
ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።
ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።